ዞባ ወላይታ ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 34 ነጥቢ 2 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዞባ ወላይታ ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 34 ነጥቢ 2 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎ ሓገዝ ገንዘብን ዓይነትን ገይሩ።

እቲ ሓገዝ 116 ሰንጋታትን 387 ኣባጊዕን ኣጣልን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ምግቢ ተንከፍን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑን ናውቲን ዘካተተ እንትኸውን÷ ብሓፈሻ 17 ነጥቢ 2 ሚሊየን ብር ግምት ከምዘለዎ ተገሊፁ፡፡

ካብ ዝተገበረ ሓገዝ ዓይነት ብተወሳኺ 17 ሚሊየን ብር ብጥረ ገንዘብ ሓገዝ ከምዝተገበረ ካብ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ደቡብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment