ዝጀመርናዮም ስራሕቲ እናማዕበልና ዝመረፀና ህዝቢ ምግልጋል ክንቅፅለሉ ኢና- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት 16፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝጀመርናዮም ስራሕቲ እናማዕበልና ብተኣማንነትን ትግሃትን ዝመረፀና ህዝቢ ምግልጋል ክንቅፅለሉ ኢና ክብላ  ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እነት ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ሎሚ መበል ሳልሳይ ዓመት ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤና በምክያድ ኣፈፃፅማ ስራሕ ፈረቓ ዓመት መግለፂ ልኡላውነት ህዝቢ ብዝኾነ ቤት ምኽሪ ከተማና ኣቕሪብና ኢለን።

ኣብቲ ጉባኤ፥ ሰለማዊ ኩነታት እታ ከተማ ብምርግጋፅ ተረባሕነት ህዝቢ ክብ ብምባል ብዙሓት ስራሕቲ ልምዓትን ናብራ ህዝቢ ዘመሓይሹ ተግባራትን ንኣገልግሎት ምብቅዖም ገሊፀን።

ፅባቐ እታ ከተማ ዝቐየሩ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብምዝዛም ንኣገልግሎት ከምዝበቕዑ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ምርግጋፁ ተዛሪበን።

ስለዝኾነ ዝጀመርናዮም ስራሕቲ እናማዕበልና ዝመረፀና ህዝቢ ምግልጋል ክንቅፅለሉ ኢና ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment