ዝዓነወ ኢንዳስትሪ ትግራይ ዳግም ንምህናፅን ሓዱሽ ኢንቨስትመንት ንምስሓብን ደገፍ ፋይናንስ የድሊ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ኢንቨስትመንት 9 ኣዋርሕ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ኮምሽነር ኮምሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ሃና ኣርኣያ ስላሌ፣ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ካብ ፌደራል፣ ክልልን ከተማ ምምሕዳርን ዝመፁ ኮምሽነራት ተረኺቦም።

ኮምሽነር ኮምሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ሃና ኣርኣያ ስላሌ ብግደአን፥ እቲ መድረኽ ኣብ ዝሓለፈ ትሸዓተ ወርሒ ኣብ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዝተሰርሐ ስራሕ ንግምግመሉ እዩ ኢለን።

ብተወሳኺ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ክንሰርሖም ዝግብኡ ተግባራትን፣ ከመይ ናይ ውሽጥን ደገን ድሌት ኢንቨስተራት ነተኣናግድን እንታይ ተተሰሪሑ እዩ ኢንቨስትመንትና ዝዓቢን ኣብ ዝብል ክንዝቲ ትፅቢት ይግበር ክብላ ገሊፀን።

ኣብቲ መድረኽ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ብኲናት ዝዓነወ ኢንዳስትሪ ክልል ትግራይ ዳግም ምህናፅ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓዱሽ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ እውን ደገፍ ፋይናንስ ከምዘድሊ ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ምንቅቓሕ ኢንቨስትመንት ክንኪ ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ዝዓነዉ ትካላት ኢንዳስትሪ  ናብ ስራሕ ንኽምለሱ ይኹን ሓዱሽ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ደገፍ መንግስቲ ፌደራል ከምዘድሊ ገሊፆም።

እቲ መንግስቲ ፌደራል ዝገብሮ ደገፍ ኣብቲ ክልል ንዝተፈጠረ ሓጓፍ ንምክሕሓስ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ዳግመ ህንፀት ስራሕቲ እውን ክዓዝዝ ይግባእ ኢሎም።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ መደረኦም፥ ኣብ ክልል ትግራይ እኹል ደገፍ ተተገይሩ ብህፁፅ ናብ ልምዓት ንምእታው ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘሎ ኣመላኺቶም።

Comments (0)
Add Comment