ዝኾነ ይኹን ውልቀ ሰብ ኣብ ኢዱ ዝርከብ ጦር መሳርሒ ኣብ ትካላት ፖሊስ 11አን ክፍለ ከተማታት ከመዝግብ ኣለዎ – ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝኾነ ይኹን ውልቀ ሰብ ኣብ ኢዱ ዝርከብ ጦር መሳርሒ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ኣብ 11አን ክፍለ ከተማታት ዝርከቡ ትካላት ፖሊስ ኣብ ስራሕ ሰዓት ፊት ንፊት ብምቕራብ ከመዝግብ ከምዘለዎ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ምስ እዋናዊ ኩነታት ፀፅታ ተተሓሒዙ ሕብረተሰብ ብሓባር ብምዃን ከባቢኡ እንትሕሉ ሓለውኡ ዝተጠናኸረ ንምግባር ንኽሕግዞ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ኢዱ ዝርከብ ጦር መሳርሒ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ኣብ 11አን ክፍለ ከተማታት ዝርከባ መምርሒታት ፖሊስን ኣብ ኩለን ጣቢያታትን ናብ ግምባር ብምቕራብ ንኸመዝግበ እቲ ፖሊስ ኣገንዚቡ።

ፖሊስ እታ ከተማ ሕብረተሰብ ምስ ሓይሊ ፀፅታ ዘለዎ ምትእስሳር ብምጥንኻርን ሓበሬታ ብምልውዋጥን ከባቢኡ ካብ ፀረ ሰላም ሓይሊታት ንኽሕሉ ምዝገባ ከምዘድለየ ብምግንዛብ ኣብ ዝተቐመጠ ገደብ እዋን ዝኾነ ይኹን ውልቀሰብ ኣብ ኢዱ ዝርከብ ጦር መሳርሒ ብምምዝጋብ ሕጋውነት ተላቢሱ ጦር መሳርሒኡ ተጠቒሙ ንባዕሉን ከባቢኡን ክሕሉ መልእኽቲ ምምሕልላፉ ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድአ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment