ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዑደት ዝግበረሉ ዝርዝር ዋጋ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንበፃቲ ክፍቲ ዝኸውን ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዑደት ዝግበረሉ ዝርዝር ዋጋ ዕላዊ ኮይኑ።

ምስለ ቅርፂ ጀጋኑን ነቲ ዓወት ዘዘኻኽሩን ናውቲታት ኣብቲ ዝኽሪ ንበፃሕቲ ክፍቲ ክኾኑ ኢዮም።

ኣማራፂታት ክፍሊት÷ ብቴሌ ብር፣ ብባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፣ ብመርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል ወይ እውን ብዝኾነ ይኹን ኣማራፂ ባንኪ ምኽፋል ከምዝከኣል ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ውባየሁ ማሞ (ኢ/ር) ገሊፀን።

ብመሰረት እዚ ንስሩዕ ዑደተኛ 150፣ ንተምሃሮ 75 ን ንፍሉይ 550 ብር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ካብ 2:30 ክሳብ 11:30 ሰዓት ንበፃሕቲ ክፍቲ ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ።

ብታሪኩ ወ/ሰንበት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment