ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ንኣዲስ ኣበባ ማእኸል ኮንፈረንስን ስሕበትን ይገብራ ከምዘሎ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
እተን ከንቲባ ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያ፣ ሕብረት ኣፍሪካን ዩኒዶን ብምትሕብባር ዝተዳለወ ጉባኤ “ካብ ጥምየት ነፃ ዓለም” ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ብምክያድ ምዝዛሙ ገሊፀን።
ዝኽሪ ዓረት ዓድዋ ካብ ዝተመረቐሉ ዕለት ጀሚሩ ናይዚ ዓይነት ግዙፋት ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ኣኼባታትን ኮንፈረንሳተን ብምትእንጋድ ከተማና ማእኸል ኮንፈረንስን ስሕበትን ገይሩዋ ኣሎ ኢለን።