ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ታሪኽ ዓድዋ ብግቡኡ ንምፍላጥ ካብ ምሕጋዙ ብተወሳኺ ረብሓ ሓድነትን ምትሕብባርን ህዝቢ ዘምህር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ታሪኽ ዓድዋ ብግቡኡ ንምፍላጥ ካብ ምሕጋዙ ብተወሳኺ ረብሓ ሓድነትን ምትሕብባርን ህዝቢ ዘምህር ኢዩ ክብሉ ኣቦታትን መምህራንን ሃይማኖት እስልምና ገሊፆም።

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ዝተውፃእፅኡ ኣቦታትን መምህራንን ሃይማኖት እስልምና ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዑደት ኣሳሊጦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝቲ ዝለዓለ ሃፍቲ ታሪክ ዝኾነ ዓወት ዓድዋ ዘለዎም ሓበሬታ ከማዕብለሎም ዝኽእል ሓበሬታ ምርካቦም ተዛሪቦም።

ምክትል ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼይኸ ዓብዱላዚዝ ዓብዱልዋሊ፥ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ማንነት ኢትዮጵያዊያን ዝገለፅ ዓሙይቕ ፕሮጀክት ሃፍቲ ሃገር ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያዊያን ብሓባር ነህልውና ሃገር ዝኸፈልዎ ዋጋ ዘርእይ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ባዕልና ንባዕልና ዘለና ሓድነት ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣስተምህሮ ዝሃበ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ታሪኽ ዓድዋ ብግቡኡ ንምፍላጥ ካብ ምሕጋዙ ብተወሳኺ ረብሓ ሓድነትን ምትሕብባርን ህዝቢ ዘምህር ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment