ዝኽሪ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ  ዝቕፅል ሓሙስ ኣብ ክልል ዓፋር ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ዝኽሪ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ “ኣይንርሰዖን” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝቕፅል ሓሙስ 24 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ኣብ ክልል ዓፋር ክካየድ ኢዩ።

እቲ ዝኽሪ ምልክት ጅግንነትን መስዋእቲን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተገይሩ ክውሰድ ስለዝግባእ ተዘኪሩ ከምዝውዕል ተገሊፁ፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ተሓሲቡ ከምዝውዕል እውን ተሓቢሩ፡፡

ብብርኪ ክልል ዝካየድ ዝኽሪ እቲ ዕለት÷ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ንሃገሮም ዝኸፈሉዎ መስዋእትነት ብምሕሳብ ከምዝኾነ ካብ ቢሮ ኮሙዩኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment