ዝተፈላለያ ክልላት ኣብ ዞባ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ሓዘነን ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለያ ክልላት ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ጣቢያ ኬንቾ ሳቻ ጎዝዲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ዝተሰመዐን ሓዘን ገሊፀን።

ብመሰረት እዚ ክልላት ኦሮሚያ፣ ሲዳማ፣ ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ማእኸላዊ ኢትዮጵያን ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ ሓዘን÷ ትማሊ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ምኽንያት ህይወት ሰብ ብምሕላፉን ካልኦት ወገናት ብምምዝባሎምን ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ገሊፀን፡፡

ንስድራ ግዳያትን ዘመድ ኣዝማድን ፅንዓት ዝተመነያ እተን ክልላት÷ ስድራ ግዳያት ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣብ ጎኒ ህዝቢን መንግስቲን እቲ ክልል ጠጠው ከምዝብላ ኣረጋጊፀን፡፡

Comments (0)
Add Comment