ዝተፈላለያ ትካላት ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 500 ሚሊየን ፈልሲታት ናይ ምትካል መርሃ ግብሪ ተሳቲፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለያ ትካላት ከም ሃገር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 500 ሚሊየን ፈልሲታት ናይ ምትካል መርሃ ግብሪ ተሳቲፎም።

ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን፣ ሚኒስቴር ገንዘብ፣ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን፣ ሚኒስቴር ቱሪዝም፣ ሚኒስቴር ጥዕናን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ 500 ሚሊየን ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ተሳቲፎም፡፡

ብተሳሳሊ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፣ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ፣ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ከምኡ እውን ካልኦት ትካላት ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈለስ ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ፡፡

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እተን ትካላት ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ንተኸላ ፈልሲ ኣብ ዝተመረፁ ቦታታት ብምርካብ ኢዮም ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም፡፡

#ሓምለዋይኣሰር

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment