ዝተፈላለያ ትካላት ህወሓት ንእዚ ሰሜን ዝጨፍጫፈሉ ቀዳማይ ዓመት ዘኪረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለያ ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንእዚ ሰሜን ብድሕሪት ዝወግአሉ ቀዳማይ ዓመት ሎሚ መዓልቲ ዘኪረን።

እተን ትካላት ግብረ ራዕዲ ህወሓት 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ብዝፈፀሞ ክሕደት መስዋእቲ ንዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት “ኣይርሰዖን፤ ኣነ እውን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢየ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዮም ኣኽቢረንኦ ዝወዓላ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ፥ “እዚ እዋን ክንሓልፎ ኢና፤ ሃገር እውን ከም ሃገር ክትቅፅል ኢያ” ኢሎም።

እቲ ኲናት ብቕልጡፍ ብምዝዛም ናብ ስራሕ ምምላስ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን፣ ሚኒስቴር ገንዘብ፣ ሚኒስቴር ጥዕናን በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያን ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ብዘዝፈፀሞ ክሕደት ንዝተሰውኡ ኣባላት ሰራዊት ዘኪሮም፡፡

ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታት ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን፣ ሚኒስተር ስራሕን ክእለትን፣ ሰራሕተኛታት ኤጀንሲ ደረጃታት ኢትዮጵያ፣ ሰራሕተኛታት ብሄራዊ ኣክሬዲቴሽን ኢትዮጵያ፣ ሚኒስቴር ሰላም፣ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን፣ ሚኒስቴር ሕርሻ እቲ መዓልቲ “ኣይርሰዖን፤ ኣነ እውን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢየ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዘኪሮምዎ።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ፥ ኢትዮጵያውያን ብኩሉ ዓውዲ ተወዲቦም ሃገሮም ካብ ምሕላው ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ መርሃ ግብሪ ምውላዕ ሽምዓን ፀሎት ሕሊናን ተኻይዱ::

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment