ዝተፈላለያ ሃገራት ንበዓል ልደት ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለያ ሃገራት ንበዓል ልደት ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ ኢትዮጵያ  ዝርከብ ኤምባሲ ኣውስትራሊያ፥ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ብምዃን በዓል ልደት ንዘኽብሩ ዘለዉ ኢትዮጵያዊያን ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ሰናይ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

ኤምባሲታት እንግሊዝን ዩክሬንን ንኩሉም ኢትዮጵያዊያን ብፍላይ እቲ በዓል ንዘኽብሩ ርሑስ በዓል ኢሎም።

ኤምባሲ ካናዳ፥ ንኢትዮጵያዊያቀን በረኸትን ሓጎስን ዘምፅእ በዓል ንክኾነሎም ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ።

ኤምባሲ ሞሮኮ፥ ንመላእ ኢትዮጵያዊያን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ።

ብተመሳሳሊ ኤምባሲ ስዊድን፣ ኢንዶኒዥያ፣ ጀርመን፣ ፖላንድን ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

 

Comments (0)
Add Comment