ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ መርሃ ግብሪ ሓለዋይ ኣሰር ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተሳተፉሉ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓለዋይ ኣሰር ተኻይዱ።

“እትተክል ሃገር ዘፅንዕ ወለዶ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣሰሮም እናንበሩ ይርከቡ።

ሎሚ መዓልቲ እውን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተሳተፉሉ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓለዋይ ኣሰር ኣብ ከባቢ ገፈርሳ ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ዝተውፃእፅኡ ሰራሕተኛታትን ፍሉጣት ሰባትን ተሳቲፎም።

ብቅድስት ኣባተ

Comments (0)
Add Comment