ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ክልል ዓፋር ብኲናት ንዝተጎድኡ ወገናት ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ሶማሊያ ዝተዋፈረ ዓቃቢ ሰላም ኣሚሶምን ኣብ ክልል ዓፋር ብኲናት ንዝተጎድኡ ወገናት ሓገዝ ገይሮም።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ኢትዮጵያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ክልል ዓፋር ብኲናት ንዝተጎድኡ ወገናት ዝኸውን 1 ሚሊየንን 147 ሺሕን ብር ሓገዝ ገይሮም፡፡

ወፍሪ ንህልውና ብዝብል ዘተኣኻኸቡዎ ገንዘብ ኢዮም ብተወከልቶም ኣቢሎም ንኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ዓፋር ዛሃራ ሑመድ ኣረኪቦም ዘለዉ፡፡

እቶም ኣባላት ዳያስፖራ ኣብ ክልል ዓፋር ዝበፅሐ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ከምዝተዓዘቡ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ዝዓነዉ ትካላት ንምህናፅ ሓገዞም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ገሊፆም፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ሶማሌ ዝተዋፈረ ዓቃቢ ሰላም ኣሚሶም ኣብቲ ክልል ጉድኣት ንዝበፅሖም ልዕሊ 752 ሺሕ ብርን ዓይነትን ብሓገዝ ኣበርኪቶም።

እቲ ሓገዝ ዘረከቡ ኣብ ሶማሊያ ኣዛዚ መኽበሪ ሰላም ራብዓይ ሴክተር ኣሚሶም ኮሎኔል የሸዋስ ቀረበት፥ እቲ ሰራዊት ካብ ዝረኽቦ ነክዩ ንህዝቢ ሓገዝ ከምዝገበረ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ህዝቢ ናብ ንቡር ህይወቱ ክሳብ ዝምለስ ሓገዞም ከምዘየቋፁ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ሓገዝ ዝተረከባ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ዛሃራ ሑመድ፥ ንዝተገበረ ሓገዝ ብምምስጋን ኣብ ክልል ዓፋር ዝበፅሐ ፀገም ናተይ እውን ኢዩ ብምባል ህዝቢ ድጋፉ ዘርአየሉ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ብቅድስት ብርሃኑ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment