ዝተፈላለዩ ትካላት ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ንተመዛበልትን ልዕሊ ብር 4 ሚሊዮን ድጋፍ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣካዳሚ ኣመራርሓ ኣዲስ ኣበባን ነባርነቶም ኣብ ኣትላንታ ዝገበሩ ኢትዮጵያውያንን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ንተመዛበልትን ልዕሊ ብር 4 ሚሊዮን ዘውፅእ ድጋፍ ገይሮም።

ፕሬዚዳንት ኣካዳሚ ኣመራርሓ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ደሳለኝ ጴጥሮስ÷ እቲ ኣካዳሚ ቅድሚ ሐዚ ድጋፍ ምግባሩ ብምሕባር፤ ሃገር ኣብ ዝተፀገመትሉ እዋን ኩሉ ብሓደ ደው ክብል ኣለዎ ኢሎም።

ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንመውዓሊ በዓል ዝኾና 50 ኣባግዕ ከምኡውን ንዞባ ደቡብ ወሎን ንምምሕዳር ከተማ ደሴን ናይ መግቢን ዓይነትን ድጋፍ ተገይሩ ተባሂሉ።

ንዝተገበረ ድጋፍ ምስጋና ዘቕረቡ ምምሕዳር ከንቲባ ከተማ ደሴ ኣበበ ገብረመስቀል ከምዝበልዎ÷ እቲ ድጋፍ ኣብ ፀገም ንዘለዉ ሕብረተሰብ ብቕልጡፍ ክበፅሕ ክግበር እዩ ኢሎም።

ብኻልእ ጎኒ ድማ ነባርነቶም ኣብ ኣትላንታ ዝገበሩ ኢትዮጵያውያን ማሕበረ ረድኤት ዝበሃል ገባሪሰናይ ትካል ኣጣይሾም ልዕሊ ብር 2 ሚሊየን ዝግመት ድጋፍ ዓይነት ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ኣበርኪቶም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment