ዝተፈላለዩ ትካላት ንሰራዊት ምክልኻልን ንተመዛበልቲን ልዕሊ 29 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ትካላት ንሰራዊት ምክልኻልን ካብ መረበቶም ንተመዛበልቲን ልዕሊ 29 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዘውፅእ ሓገዝ ዓይነት ገይሮም።

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ካብ ኣርባዕቲኦም ተፀዋዕቲ ትካላት ብምትሕብባር ንሰራዊት ምክልኻልን ንዝተመዛበሉ ወገናትን ዝኸውን 25 ሚሊየን ብር ናውቲን ደረቕ ምግቢን ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ንምክትል ርእሰ መምሕዳር ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣይተ ሲሳይ ወልደ ኣማኑኤል ኣረኪበን።

ብተመሳሳሊ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ኣብ ክልል ዓፋር ንዝተኻየደ ወፍሪ ምድሓን ሃገር ልዑል ተጋድሎ ንዝገበሩ ወገናት ንምድጋፍ ብዩኒቨርሲቲ ሰመራ ኣቢሉ ልዕሊ 1 ሚሊየን 521 ሺሕን 550 ብር ዘውፅኡ ናይ ምገቢ፣ ክዳውንቲን ናውቲን ሓገዝ ኣበርኪቶም።

ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ትካላት ትምህርቲ ብምትሕብባር ኣብ ወፍሪ ምኅባር ሕጊን ህልውናን ጉድኣት ንዘጋጠሞም ኣባላት ሰራዊት ዝኸውን ልዕሊ 3 ሚሊየን ዘውፅኡ 500 ኣባጊዕ ብሓገዝ ኣበርኪቱ።

ብሰላም ኣሰፋን ዓሊ ሹምባህሪ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment