ዝተፈላለዩ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል ልዕሊ ብር 2 ነጥቢ 3 ሚልዮን ኣበርኪቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ትግራይ ብዝገበሮ ፃውዒት መሰረት ዝተፈላለዩ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል ልዕሊ ብር 2 ነጥቢ 3 ሚልዮን ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሮም።

ብመሰረት እዚ ሰራሕተኛታት ባንኪ ኣብሲንያ ዲስትሪክት መቐለ ብር ሓደ ሚልዮንን 33 ሺሕን 777፣ ፋብሪካ ልስሉስ መስተ ሞሃ ብር ሓደ ሚልዮን፣ ሰራሕተኛታት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብር 138 ሺሕ፣ ኣክስዮን ማሕበር ሆርን ኣፍሪካ ንግድን ኢንዳስትርን ብር 100 ሺሕ፣ ነባርነተን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኾና ወይዘሮ ገብርኤላ ወልዱ ብር 70 ሺሕ ኣበርኪቶም ኣለዉ።

ነቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝተረከቡ ምክትል ቢሮ ሓላፊ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ኣይተ ሓጎስ ወልደኪዳን፥ እቶም ትካላትን ውልቀ ሰባትን ንዝገበርዎ ሓገዝ ምስጋንኦም ብምቕራብ ካልኦት እውን ኣሰሮም ክኽተሉ ፀዊዖም።

እቲ ሓገዝ ዘበርከቱ ኣካላት ብግደኦም፥ መንግስቲ ትግራይ ንዝገበሮ ፃውዒት ስዒቦም ዝገበሩዎ ሓገዝ ከምዝኾነን ካብዚ ፈታኒ እዋን ክሳብ ዝውፃእ ብዝኸኣልዎ መጠን ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉን ተዛሪቦም።

ብተመሳሳሊ ዜና ሓገዝ ሰብ ሃፍቲ ተወለድቲ ትግራይ እናቐፀለ ከም ዝርከብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ገሊፁ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ፦

1. ኣይተ ይትባረክ ዘገየ ብር 1 ሚሊየንን 512 ሺሕን

2. ወይዘሮ እቴነሽ ኣብርሃ ብር 500 ሺሕን 150

3. ወይዘሮ ይርጋለም ኣስፋው ብር 175 ሽሕ

4. ኣይተ ፀጋይ ገብየሱስ ብር 125 ሽሕ ሓገዝ ገይሮም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment