ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ርእሳነ ምምሕዳር ክለላት በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ(ኣረፋ) ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእከላዊ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኡሞድ ኡጁሉ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ኣሻድሊ ሓሰን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ፥ በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ(ኣረፋ) መንፈሳዊ ምድምማፅን ሞራላዊ ስብእናን፣ ወለንታዊነትን ተኻፊልካ ናይ ምብላዕን ስብእና ብዛዕባ ምውናን ዝጠመቱ ኣስተምህሮታት ዝወሃበሉ ኢዩ ኢሎም።
እቲ በዓል ካብ ሃይማኖታዊ በዓልነቱ ብተወሳኺ፥ ተረሓሒቖም ዝፀንሑ ስድራ ብኣካል ዝራከብሉን ዝተሓታተትሉን፣ መንፈሶም ዝነቓቐሐሉ፣ ርክብ ሕድሕድ ዝሕደሰሉ ማሕበራዊ ክብሪ ብምዃን ዘገልግል ዘሎ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ናይ ምትሕግጋዝ፣ ምድግጋፍን ንዝተፀገሙ ወገናት ናይ መብፃሕን ልምዲ ዝምዕብለሉ ዘሎ ብምዃኑ፥ ሰዓብቲ እምነት እስልምና እቲ በዓል እንተኽብሩ ነቶም ዝተገለፁ እወንታዊ ልምዲታት ብምጥንኻርን ምቕፃልን ክትግብሩ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ንዓቕሚ ዘይብሎም ብምድጋፍን ሰላም እቲ ከባቢ ብምሕላወን ክኽበር ከምዝግባእ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
እቲ በዓል፥ ብፍቕሪ፣ ሓድነትን ሕውነትን ንክኽበር ህዝበ ሙስሊም ኢትዮጵያዊ ሓድነተን ሕውነትን መጥንኻር የግባእ ኢሎም።