ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብዝተፈላለዩ ዓውዲ ትምህርቲ ዘሰልጠንዎም ተምሃሮኦም ኣመሪቖም።
ዩኒቨርሰቲ ደብረ ማርቆስን፤ መምህራን ትምህርቲ ኮሌጅ ደሴ ሎሚ ዕለት ተምሃሮኦም ኣመሪቖም።
ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሰቲ ደብረ ማርቆስ ዶክተር ታፈረ መላኩ ከምዝገለፅዎ፥ እቲ ዩኒቨርሰቲ ሎሚን ፅባሕን ኣብ ዘካይዶ ስነ ስርዓት ምረቓ 2 ሺሕን 108 ተምሃሮ ከመርቕ እዩ።
ዩኒቨርሰቲ ደብረ ማርቆስ ካብ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣፕላይድ ዩኒቨርሲቲ ኾይኑ ምምዳቡ ስዒቡ ኣብ ዓውዲ ሕርሻን ሃገር ቦቆል ፍልጠትን ጥዕናን ጠመተ ገይሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ፍርያትን መፍረያይነት ሕርሻ ንምድፋዕን ባህሊን ቋንቋ እቲ ከባቢ ንምዕባይን ማእኸል ምርምር ተጣይሹ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ኣሚኮ ፀብፂቡ።
ብተመሳሳሊ መምሃራን ትምህርቲ ኮሌጅ ደሴ ብስሩዕ መርሃ ግብሪ ዘሰልጠኖም 353 ሕፁያት መምሃራን ሎሚ ዕለት ኣመሪቑ።
ካብ መንጎ እቶም ተመረቕቲ እተን 176 ደቂ ኣንስቲዮ ምዃነን ተገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።