ዝተጣየሸ መንግስቲ ኣብ ሰላምን ኢኮኖሚን ኣቐዲሙ ኣድህቦ ገይሩ ክሰርሕ ኣለዎ – ኣመራርሓታት ፖለቲካ ፓርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕዚ ዝተጣየሸ ሓዱሽ መንግስቲ ኣብ ሰላምን ኢኮኖሚን ኣቐዲሙ ኣድህቦ ገይሩ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣመራርሓታት ፖለቲካ ፓርቲ ገሊፆም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ በዓል ሽመትን ምስረታ መንግስቲን ዘነጋገሮም ኣመራርሓታት ፖለቲካ ፓርቲ፥ መንግስቲ ቅድሚት ከድህበሎም ብዛዕባ ዝግብኡ ጉዳያት ኣብሪሆም፡፡

ኣቦ መንበር ምንቅስቓስ ራኢ ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ኣይተ ሊላይ ሃይለማርያም፥ህዝቢ ኢትዮጵያ ናብሓዱሽ ምዕራፍ ዝሰጋገሩሉ እዋን ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ህዝቢ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ብዝኾነ መገዲ ዝመርሖ ውድብ መሪፁ ኢዩ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን መሰረታዊ ኣብ ዝኾኑ ሕቶታት ሕጋዊ ብዝኾነ መገዲ ክሓትት ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት እናት ፓርቲ ኣይተ ሰይፈስላሴ ኣያሌው ብግደኦም፥ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ መንግስቲ ፍልይ ዝበለ ነገር ከምፅእ ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣብ ሓድነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣበርቲኻ ምስራሕ ቀዳማይ ተግባር ክኸውን ከምዝግባእን ህዝቢ እውን ናይ ባዕሉ ግደ ክዋፃእ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ሕዚ ዝተመስረተ መንግስቲ ኣብ ሰላምን ኢኮኖሚን ቅድሚት ኣድህቦ ብመሃብ ክሰርሕ ከምዝግባእ ዝገለፁ ድማ ተሳታፊ እቲ በዓል ዝኾኑ ኣይተ ቢኒያም ኣበበ ኢዮም፡፡

ህዝቢ እውን ካብ ምምራር ሓሊፉ ንመንግስቲ ሓጊዙ ናብ ስራሕ ከኣቱ ይግባእ ኢሎም፡፡

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ግቡእነት ፅሬት ትምህርቲ ዶክተር ኣንዱኣለም ኣድማሴ ብግደኦም፥ ሓዱሽ ምዕራፍ፣ ሓዱሽ መገዲ ኢና ንጅምር ዘለና ኢትዮጵያ ናብ ሓደ ብራኸ ሒዝና ንኸደሉ እዋን ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment