ዝተጠራቐሙ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ምፍታሕ ፈላማይ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል ኢዩ – ኣይተ ርስቱ ይርዳው

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጎና ጎድኒ ምኽባር ሉኣላውነት ሃገር መንግስቲ ክልል ደቡብ ሕቶታት ህዝቢ ንምፍታሕ ከምዝሰርሕ ርእሰ መምሕዳር ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተርስቱ ይርዳው ገሊፆም።

ህወሓት ኣብ ክልል ደቡብ ማእኸል ጎንፂ ንምግባር ዝገበሮ ፈተነ ፀገም ሰላምን ድሕንነትን ዘለዎም ከባቢታት ምስ ህዝቢ ብምዃን ዕርቀ ሰላም ናይ ምዕሳል ስራሕ ከምዝስራሕ ኣገንዚቦም፡፡

ናብራ ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ንምምሕያሽ ስራሕቲ ሕርሻ ኩታ ገጠም ብዘበናዊ መሳርሒታት ተሓጊዙ ከምዝስራሕ እውን ገሊፆም፡፡

ሕቶታት ውዳበ በቢብርኩ እናመለስካ ምኻድን ህዝበ ውሳነ ዝተመሓላለፈሉ ክልል 11 ንምጥያሽ ሓገዝ ከምዝግበርን እውን ኣረጋጊፆም፡፡

ሌብነት ንምትራፍ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣሰራርሓ ከምዝዝርጋሕ ዝሓበሩ ኣይተ ርስቱ፥ ኣብ ሌብነት ተዋፊሮም ዝርከቡ ውልቀሰባት ብመረዳእታ ዝተሓገዘ ስጉምቲ ክውሰድ ኢዩ ኢሎም፡፡

ስነት ስራሕ ንምንካይ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ተግባራዊ ብምግባር ከምዝስራሕ ኣገንዚቦም።

ብበላይ ተስፋዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment