ዝተዋደደ መንደር ሰበኽ ሳግም ጎዴ ሞዴል ተገይሩ ክውሰድ ይግባእ- ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ሶማሌ ዝተሃነፀ ዝተዋደደ መንደር ሰበኽ ሳግም ጎዴ ሞዴል ተገይሩ ክውሰድ ይግባእ ክብሉ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር፥ ብመንግስቲ ፌዴራልን ክልል ሶማሌን ዝተሃነፀ እቲ መንደር ንማሕበረሰብ ሰበኽ ሳግም ከም ኣብነት ዝረኣይ ኢዩ ኢሎም።

ፍሪያት ተዋፅኦ እንስሳት ብሓባር ንምቅንብባር ዘኽአል፣ መሰረተ ልምዓታታት ማይ፣ ኤሌክትሪክን ወዘተ ዝተማለአሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ቅድመ ሐዚ ዝተሃነፁ መንደራት ዝናብ ምፅዋር ዘየኽእሉን ንዝተፈላለዩ ተፈጥጭሮኣዊ ፀገማት ተቓላዕቲ ከምዝነበሩን ኣዘኻኺሮም።

ሐዚ ኣብ ጎዴ ዝተሃነፀ መንደር ነዚ ፀገም ዝፈትሕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቶም መንደራት ንካልኦት ከባቢታት ሰበኽ ሳግም ከም  ሞዴል ከውሰዱ ከምዝግባእን መንግስቲ እቲ ክልል መንገራት ሰበኽ ሳግም ኣብ ኩለን ከባቢታት ተበፃሒ ንክኸውን ከተባብዕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙሰጠፌ መሓመድ ብግደኦም፥ እቲ መንደር ሰበኽ ሳግም ከተማነት ነክለማመድን ናብርኡ ንከማብልን ዝሕገዝ ኢዩ ኢሎም።

ብሚኪያስ ኣየለ

Comments (0)
Add Comment