ዝተዋደደ መንደር ልምዓትን መንበሪን ገላን ጉራ

ካብ ካሳንችስ ንልምዓት ዝተልዓሉ ኣብ ገላን ጉራ ዝተሃነፀን ሎሚ መዓልቲ ኣገልግሎት ዝጅምርን ዝተዋደደ መንደር ልምዓትን መንበሪን ገላን ጉራ ኣብ ውሽጡ እንታይ ዝሓዘ ኢዩ?

  • ኣብ 1200 መንበሪ ኣባይቲ 6500 ነበርቲ ዝሓዘ መንበሪ መንደር ኢዩ።
  • 1 ነጥቢ 6 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ መገዲ ኣስፋልት ኣለዎ።
  • ልዕሊ 20 ኣውቶቡሳት ብሓደ ግዘ ከተኣተናድድ ዝኽእል ተርሚናል ኣለዎ።
  • ኣብ ውሽጢ 2 ወርሒ ዝተሃነፁ ካብ ቅድመ ቀዳማይ ብርኪ ክሳብ ካልኣይ ብርኪ ዘለዉ ኣቢያተ ትምህርቲ ምስ ምገባ ማእኸል ዝሓዘ ኢዩ።
  • ብ3 ፈረቓ ን270 እኖታት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ ፋብሪካ መሰንከቲ እንጀራ ኣለዎ።
  • 500 ኣረጋዉያንን ዓቕመ ደካማታትን ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዘ ክምግብ ዝኽእል ማእኸል ምገባ ኣለዎ።
  • ኣብ መዓልቲ 60 ሺሕ ባኒ ከፍሪ ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎ ፋብሪካ ባኒን መጥሓኒ እኽሊን ሒዙ ኢዩ።
  • ደረጃኡ ዝሓለወ መፃወቲ ህፃናትን መፅንሒ ህፃናትን ኣለዎ።
  • ⁠ክልተ መዘውተሪ ስፖርት ቦታታት ከምኡ እውን ሓምለዋይ ቦታታትን መዘናግዒታትን ተሃኒፆም ኢዮም።
  • ን1 ሺሕን 646 ነበርቲ ቀዋሚን ግዜያዊን ዕድል ስራሕ ምፍጣር ተኻኢሉ ኢዩ።
Comments (0)
Add Comment