ዝተዋደደ ልምዓ ፓርክታት ኣግሮ ኢንዱስትሪ ንምጥንኻር ዘኽእል ናይ 2 ሚሊየን ዩሮ ፕሮጀክት ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚነስቴር ኢንዱስትሪ ምስ ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ልምዓት ፓርክታት ኣግሮ ኢንዱስትሪ ንምጥንኻር ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

ሚኒስትር ዲኤታ ኢንዱስትሪ ኣይተ ሺሰማ ገብረስላሴ፥ እቲ ስምምዕነት ዝተወደበ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ንምጥንኻር ዘኽእል ስለዝኾ ዓቢዩ ረብሓ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ኣብ ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተወካሊት ኢትዮጵያ ዋና ዳይሬክተር ዝኾና ኦሪሊያ ማትሪዚያ ብግደአን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተዋደደ ልምዓት ፓርክታት ኣግሮ ኢንዱስትሪ ንምጥንኻር ዘኽእል ፕሮጀክት ን3ዓመታት ብሓገዝ ኤጀንሲ ምትሕብባር ልምዓት ጣሊያን ክልተ ሚሊየን ዩሮ ዝሳለጥ ከምዝኾ ሓቢረን።

ዝተዋደደ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ዓወቱ ዝልካዕ ኣብ ውሽጢ ፓርክታት ዝጣየሹ ኢንዱስትሪታት ንምምጋብ ፍርያት ሕርሻን ሸንሸል እታወት ብእኹል ምድላውን ኣብ ትኽክለኛነት ምሕደራን ኣሰራርሓን እቲ ፓርክን ዝተመርኮሰ ኢዩ ምባለን ካብ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment