ዝተኸፈተልና መጥቃዕቲ ንምምካት መፍትሒ ዝተዋደደ ወፍሪ ኢዩ – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ መግለፂኡ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣለኒ ዝብሎ ሓይሊ ብምትእኽኻብ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘለዉ ግምባራት ሰፊሕ መጥቃዕቲ ምፍናዉ ገሊፁ።

በቲ መጥቃዕቲ ድማ ብዙሓት ንፁሃን ዜጋታት ከምዝቐተለ፣ ንብረት ከምዝዘረፈ፣ ኣባላት ሓደ ስድራ ጋዝ ነስኒሱ ከምዘቃፀለ፣ ኣብቶም ከባቢታት ኩሎም ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ንኽቋረፁ ከምዝገበረ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ዝተመዛበሉ ወገናት ሓገዝ ከይረኽቡ ብምግባር ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ቀንዲ መሳርሒኡ እናተፀቐመ ከምዝርከብን ተገሊፁ።

ጅግና ሰራዊት ምክልኃል፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዓፋርን ከምኡ እውን ሚሊሻታት ብዕስለ ንዝመፅአ ፀላኢ ምስ ህዝቢ እቲ ከባቢ ብምዃ ብዘኹርዕ መልክዑ እናመከቱዎ ከምዝርከቡ እውን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ግምባራት ውጫለ፣ ተሁለደሬ፣ ወረባቦ፣ ደላንታን ጭፍራን ኲናት ከምዝኸፈተ ዝገለፀ እቲ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን፥ ይኹ እምበር ሓይሊ ፀፅታ ሕብረተሰብን ብሓባር ብምዃን ንወራሪ ሓይሊን ሸሊኾም ንዘኣተዉን እናመከቶም ይርከብ ኢሉ።

ፀላኢ ነዚ ዘኹርዕ ተጋድሎ ህዝቢ ዘነኣእስን ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳን እናነዝሐ ናፃ ዝኾኑ ከባቢታት ከምዝተትሓዙ ብምምሰሳል ህዝቢ ንምርዓድ ልዑል ፃዕሪ እናገበረ ይርከብ ክብል ገሊፁ።

እቲ መግለፂ፥ ሕብረተሰብ ባናይ ፀላኢ ፕሮፓጋንዳ እንተይተረበሸ ዝጀመሮ ሃገር ናይ ምድሓን ቃልሲ ብዝተወደበ ወፍሪ ክምክትን ከባቢኡ ብንቕሓት ክሕሉን ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ካብ ስሩዕ ኣካይዳ ኲናት ንዝመፅአ ሓይሊ ንምምካት ዝተወደበ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምፍጣር ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment