ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ዝተተኸሉ ፈልሲታት ብሕብረት ብምክንኻን ምቹውቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ምህናፅ ከምዝግባእ ሚኒስትር ፍትሒ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ገሊፆም።
ሚኒስትር ፍትሒ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ኣብ ዞባ መተከል ከተማ ግልገል በለስ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣሳሊጦም፡፡
እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁ÷ እቲ ከባቢ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝርከበሉ ስለዝኾነ ንዕዑ ዝምጥን ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ካብ ምክያድ ብተወሳኺ ዝተረኸበ ሰላም ተጠናኺ ንኽቕፅል ኩሉ ክረባረብ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ኣብ ከተማ ግልገል በለስ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ÷ ሰራሕተኛታት ሚኒስቴር ፍትሒ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ክልልን ዞባን ከምዝተሳተፉ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ዞባ መተከል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com