ዝተበላሸዉን መለክዒ ዘየማልኡን ልዕሊ 227 ቶን ፍርያታት ምግቢን ጥረ ኣቑሑትን ናብ ሃገር ከየኣትዉ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ዝተበላሸዉን ኣገዳዲ መለክዒ ገላፂ ፅሑፍ ዘየማልኡን ልዕሊ 227 ቶን ፍርያታት ምግቢን ጥረ ኣቑሑትን ናብ ሃገር ከየኣትዉ ተገይሩ።

በዓል መዚ ምቁፅፃር ምግቢን ኣፋውስን ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሓምለ ጥራሕ ኣብ ዙሪያ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ሓሙሽቲአን መእተዊን መውፅኢን ኬላታት ብዝገበሮ ቁፅፅር ኢዩ እቶም ፍርያታት ከየኣትዉ ዝተገበረ።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ኣብ እዋን ጉዕዞ ዝተበላሸዉ፣ ግዘ ዘሓለፎም ከምኡ እውን ኣገዳዲ ገላፂ ፅሑፍ ዘየማልኡ ልዕሊ 227 ነጥቢ 64 ቶን ፍርያት ምግቢን ጥረ ኣቑሑት ምግቢን ናብ ውሽጢ ሃገር ኣቲዮም ኣብ ረብሓ ከይውዕሉ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ቤት ዕዮ እቲ በዓል መዚ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ኣብ መውፅኢን መእተዊን ኬላታት ብዝገበሩዎ ቁፅፅር ናብ ሃገር ከየኣትዉ ዝተገበሩ ፍርያታት ሕብረተሰብ ኣብ መዓልታዊ ናብሩኡ ብስፍሓት ዝጥቀመሎም ኢዮም ተባሂሉ።

ዝተበላሸወ ዘይቲ ብልዒን ፀባን፣ ዝተበላሸወ ድልኽ ኮሚደረ፣ ኣገዳዲ መለክዒ ገላፂ ፅሑፍ ዘየማልኡ ጥረ ኣቑሑት ከምዝርከቡዎም ካብ በዓል መዚ ምቁፅፃር ምግቢን ኣፋውስን ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment