ዝተሰንዘረልና መጥቃዕቲ ብምምካት ሉእላውነትን ሓድነትን ሃገርና ክንሕሊ ኢና- መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ዘበነ ስልጣኑ ብዙሓት ዜጋታት ንምከራን ምንግልታዕን ብምድራግ ሃፍቲ ሃገር እንትዘርፍን እንተዝርፍን ከምዝነበረ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ገሊፁ።

ትህነግ ብውሽጢን ደገን ከምኡውን ብሓሳብ ኣብ መድረኽ ብዝተገበረ ዝተዋደደ ቃልሲ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ዕብየት እዛ ሃገር ዝምጥን ሓሳብ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ መንሚኑዎ ኣብ 2010 ዓ.ም ካብ ስልጣን ከምዝተወገደ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ንሃገርናን ህዝብናን ብተስፋ ዝተመልአ ሓዱሽ ምዕራፍ ምኽፋት ከምዝተኽኣለ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ይኹን እንበር ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ትህነግ ብጠበንጃ ናይ ባዕሉ ገይሩ ምስ ዝነበሮ ስልጣን መንግስቲ ብህዝባዊ ተቓውሞን ብቃልሲ መድረኽ እንተተመንጠለ እውን ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ዝዘረፎ ሃፍቲ ብምጥቃም ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓማውቲ ኣብ ሃገርና ረብሻን ጎንፂን ብምፍጣርን ብምስፍሕፋሕን ሃገርና ንምፍራስ ዘለዎ ዕላማ ንምዕዋት ብሙሉእ ዓቕሙ እንትሰርሕ ከምዝፀንሐ ገሊፁ።

ከም ሰኔ ምስ ዝበሉ ሓይሊታት ግብረ ራዕዲ ብምምሽጣር ጎንፅታት ብሄርን ሃይማኖትን ብምፍጣር ናይ ብዙሓት ዜጋታት ህይወት ኣናጊዑ ኢዩ ኢሉ።

ብዙሓት ንሞት፣ ጉድኣት ኣካል፣ ስነልቦናን ንብረትን ከምዝዳረገ እውን ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ዝተሰንዘረልና መጥቃዕቲ ብምምካት ሉእላውነትን ሓድነትን ሃገርና ክንሕሊ ኢና ክብል መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment