ዝተሰሪዙ ዝነበረ ዕፃ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ኣዲስ ኣበባ ስነ-ስርዓት ምውፃእ ዕፃ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅድሚ ሕዚ ብምኽንያት ዝተፈፀመ ገበን ምጭብርባር ተሰሪዙ ዝነበረ ዕፃ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ኣዲስ ኣበባ ስነ-ስርዓት ምውፃእ ዕፃ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምውፃእ ዕፃ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ 25 ሺሕን 791 ኣባይቲ 40/60ን 20/80ን ዕፃ እናወፅአሎም ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ምውፃእ ዕፃ 18 ሺሕን 930 ኣባይቲ በዓል 20/80ን 6 ሺሕን 843 ኣባይቲ ድማ በዓል 40/60 ከምዝተኻተቱ ተገሊፁ።

በቲ ዕፃ ብሓፈሻ 146 ሺሕን 892 ክሳብ 21 ለካቲት 2014 ዓ.ም እኹል ዕቋር ዘለዎም ነበርቲ እታ ከተማ ክሳተፉ ኢዮም ዝተብሃለ እንትኸውን÷ብፕሮግራም ልምዓት ገዛ 20/80 ድማ 93 ሺሕን 352ን ብፕሮግራም ልምዓት ገዛ 40/60 ድማ 53 ሺሕን 540 ተመዝገብቲ ንዕፃ ብቑዓት ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

Comments (0)
Add Comment