ዝተረጋግአ ማክሮ ኢኮኖሚ ብምፍጣር ፀገም ስእነት ስራሕ ንምቅላል ክስራሕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረጋግአ ማክሮ ኢኮኖሚ ብምፍጣር ፀገም ስእነት ስራሕ ንምቅላል እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪያ ካሚል ገሊፀን።

የስራና ክህሎት ሚኒስቴር አመራሮች እና ሰራተኞች በቀጣይ በሚያከናወኑት ስራ ላይ ያተኮረ ውይይት እያደረጉ ነው

ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን እቲ ሚኒስቴር ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝሰርሑዎም ስራሕቲ ዘተኮረ ልዝብ ኣካይዶም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ መልእኽቲ ዘመሓላለፋ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፥ “ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረጋግአ ማክሮ ኢኮኖሚ ብምፍጣር ፀገም ስእነት ስራሕ ንምቅላል ክስራሕ ኢዩ” ኢለን።

ብኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ዓውዲታት ጭቡጥ ለውጢ ንምምፃእ ከምዝስራሕ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ብፍላይ ፀገም ስእነት ስራሕ ንምቅላል ከምዝስራሕ ኣገነዚበን።

ሰላም ኢንዱስትሪ ንምርግጋፅ ኣብ ሞንጎ ሰራሕተኛን ኣስራሕቲን ንክልቲኦም ተረባሕቲ ዝገብሩ ኣሰራርሓታት ምፍጣ ከምዘድሊ ምሕባረን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment