ዝተማለአ ሃገራዊ ሉኣላዊነት ምርግጋፅ ዝከኣል ካብ ተሓጋዛይነት ኣተሓሳስባ ምውፃእ እንትከኣል ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተማለአ ሃገራዊ ሉኣላዊነት ምርግጋፅ ዝከኣል ካብ ተሓጋዛይነት ኣተሓሳስባ ምውፃእ እንትከኣል ከምዝኾነ ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ ገሊፀን።

“ካብ ተሓጋዛይነት ናብ መፍረያይነት፤ ንዝተማልአ ሃገራዊ ሉእላውነትን ክብሪን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ሰመራ ሎጊያ ህዝባዊ ዘተ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ ከምዝገለፀኦ÷ ካብ ኣተሓሳስባ ተሓጋዛይነት ጠቕሊልካ ንምውፃእ ስራሕቲ ልምዓት ምቅልጣፍ ይግባእ፡፡

“ዝተማለአ ሃገራዊ ሉኣላዊነት ምርግጋፅ ዝከኣል ካብ ተሓጋዛይነት ኣተሓሳስባ ምውፃእ እንትከኣል ኢዩ” ክብላ እውን ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment