ዝተመዘገበ ዕቤት ኢኮኖሚ ቀፃልነት ንኽህልዎ ክስራሕ ኢዩ – ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመዘገበ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ቀፃልነት ንኽህልዎ መፍረያይነት ዘዕብዩ ስራሕቲ ብትኹረት ክስራሕ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ 2016 ዓ.ም መንግስቲ ምስ ሰራሕተኛታት እቲ ኣገልግሎቱ ኣብ ዝተገበረ ዘተ እቶም ሚኒስትር ከምዝበሉዎ÷ እቲ ዕቤት ክቕፅል ንምግባር እናተተግበሩ ዝርከቡ ኢንሼቲቫት ብልዑል ኩነታት ክዓብዩ ኣለዎም፡፡

እቲ ዕቤት ኩለመዳይ ቀፃልነት ንኽህልዎ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ መዓድን፣ ቱሪዝምን ቴክኖሎጂን ብዕቱብ ከምዝስራሕ ኣብሪሆም።

ኢኮኖሚ ንኸዓቢ ሰላም ወሳኒ ስለዝኾነ መንግስቲ ዝጀመሮ ሰላም ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ብዝሐሸን ብዝተጠናኸረ ኩነታትን ተግባራዊ ከምዝገብር እውን ገሊፆም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment