ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ሰራዊት ምልኻል ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ሰራዊት ምልኻል ሎሚ መዓልቲ ኣፅዲቑዎ፡፡

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 2ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 14 ስሩዕ ጉባኤኩ ሎሚ ኣካይዱ፡፡

እቲ ኣዋጅ÷ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ፖለቲካ ወገናዊነት ናፃ ኮይኑ ሃገርን ናይ ምሕላው ልኡኽቶኡ ብግቡእ ክዋፃእ ንምግባር ዘኽእሉ ማዕቐፋት ሕጊ ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ህብረ ብሄራዊ ተዋፅኦኡ ዝሓለወ ዝዘመነ ሰራዊት ንምህናፅ ማሕለኻ ዝኾኑ ማዕቐፋት ሕጊ ንምምሕያሽ ዝሕግዝ ኣዋጅ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

ተመሓይሹ ዝቐረበ ኣዋጅ፥ ዘለዉ ፀገማትን ክፍታትን ብምምላእ ከስርሕ ዝኽእል ማዕቐፍ ሕጊ፣ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ንምዝርጋሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ብምእማን እቲ ባጥቶ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑዎ፡፡

ቅድም ክብል ንሰራዊት ምክልኻል ዝምጥን ናይ ባዕሉ ኣዋጅ ሰራዊት ምክልኻል ክወፅእ ከምዝግባእ ብኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እናተሓተተ ምፅንሑ ይዝከር፡፡

ንክብሪ ሰራዊት ምክልኻል ዝምጥንን ክፍሊት ካሕሳን ከምኡ እውን ካልኦት ጥቕማ ጥቕሚታት ብዝግባእ ንኽኽበሩ ባዕሉ ዝኸኣለ ኣዋጅ ሰራዊት ምክልኻል እንተወፂኡ ዕዙዝ ረብሓ ከምዝህልዎ እውን እናተገለፀ ፀኒሑ ኢዩ፡፡

ህልውና ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኲናት እንተጋጥም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዝነበሩ መሊስካ ምስ ምቑፃር ብዝምልከት ብዛዕባ ዝህሉ ኣፈፃፅማ፣ ብዛዕባ ብሄራዊ አገልግሎትን ካልኦት ክፍተታት ኣፈፃፅማን ንምስትኽኻል እቲ ኣዋጅ ምምሕያሹ ኣድላዪ ምዃኑ ከምዝተኣመነሉ ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment