ዝቐፀለ መውስቦ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ዘቃለዐ ቃለ መሕትት

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መውስቦ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ሕዚ እውን ዝቐፀለ ምዃኑ ዘቃለዐ ቃለ መሕትት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሓደ ኣፈፃሚ ጉዳይ ዝኾነ ኦን ላይን ሚዲያ ተኻይዱ።

ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ግብረ ራዕዳውያን ተባሂሎም ዝተፈረጁ ህወሓትን ሸኔን ኢትዮጵያ ንምድኻምን ንምፍራስን ህዝባ እውን ክዋድኡ ንምግባር ዘይተቐደሰ መውስቦ ብምፍፃም እናሰርሑ ከምዝኾነ፥ ኢትዮጵያን ናይ ቁርፂ እዋን ደቃን “ወፍሪ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ኣብ ዘጠናኸሩሉ እዋን ብግልፂ ዕላዊ ምግባሮም ይዝከር፡፡

እቶም ግብረ ራዕዳውያን እኩይ ዕላመኦም ንምዕዋት ድማ ብዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ብዘስካሕኽሕ ኩነታትን ኢሰብኣዊ ብዝኾ መገዲን ንፁሃን ዜጋታት ካብ ምጭፍጫፍ ዝሓልፍ ዕላማን ሽቶን ዘይብሎም እኽብካባት ከምዝኾኑ ብግልፂ ኣርእዮም ኢዮም፡፡

ብፍላይ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንዝሓለፉ ዓማውቲ ኢትዮጵያ ንምድኻምን ናይ ባዕሉ ሕልሚ ንምዕዋትን ንግብረ ራዕዲ ሸኔ መፈፀሚ እኩይ ተግባሩ ከም መሳርሒ እናተጠቐመ ከምዝነበረ ብተደጋጋሚ ኣፍሊጡ ኢዩ፡፡

ሎምቅነ ንባዕሊ መራሒ ሸኔ እየ ኢሉ ዝገልፅ ጃልመሮ ምስ ሓደ ኣፈፃሚ ጉዳይ ህወሓት ዝኾነ ኦንላይን ሚዲያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፥ እቶም ራዕዳውያን ጉጅለ ሕዚ እውን ሃገር ንምፍራስ ዝፈፀሙዎ ስምምዕነትን ሽርሒን ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣረጋጊፁ ኣሎ፡፡

ጃል መሮ ምስቲ ኦንላይን ሚዲያ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፥ “ውድብኩም(ሸኔ) ምስ ህወሓት ዘለዎ ርክብ እናቐፀለ ድዩ? ሕዚ እውን ብሓባር እናሰራሕኹም ዲኹም? ዝብል ሕቶ ቀሪቡሉ፡፡

ጃል መሮ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ “ምስ ህወሓትን ካልኦት መሓዙት ፓርቲታትን ዝመስረትናዮ ሕብረት ሕዚ እውን ይቕፅል ኣሎ” ክብል ኣረጋጊፁ፡፡

ጃል መሮ ኣብቲ ቃለ መሕትቱ ምስ ህወሓት ተሓባቢሩ ከምዝሰርሕን በቢከባቢኡ ናይ ጥፍኣት ሓይሉ ከምዘዋፈረን ብምርግጋፅ፥ ብኻሊእ ወገን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኢሉ እውን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ልዕሊ ንፁን ዜጋታት ጋህዲ ዝወፅአ ዘስካሕኽሕ ጭፍጨፋ ንምኽሓድ ፈቲኑ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment