ዝርገሐ ፅልኢት ዘረባን ናይ ሕሶት ሓበሬታን ንምክልኻል ዝወፅአ ኣዋጅ ተፈፃሚ ኣይኮነን – ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዝርገሐ ፅልኢት ዘረባን ናይ ሕሶት ሓበሬታን ንምክልኻል ዝወፅአ ኣዋጅ ተፈፃሚ ምዃን ከምዘይጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ እዚ ዝበለ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ምስ በዓል መዚ ብሮድካስት ብምዃን፤ ፅልኢት ዘረባን ናይ ሕሶት ሓበሬታን ንምክልኻል ዝወፅአ ኣዋጅ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተኻየደ ልዝብ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ፥ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2012 ዓ.ም ዝርገሐ ፅልኢት ዘረባን ናይ ሕሶት ሓበሬታን ንምክልኻል ዝወፅአ ኣዋጅ ምፅዳቑ ይዝከር።

ይኹን እምበር ክሳብ ሕዚ ተፈፃሚ እንትኸውን ኣይተረኣየን፣ ኣብቲ ዋጅ ዝተቐመጡ ድንጋገታት ዝጥሕሱ ተግባራት እናተፈፀሙ ስጉምቲ እናተወሰደ ኣይኮነን፣ ናብ ኣቢያተ ፍርዲ እውን ጉዳያት እናመፅኡ ኣይኮነን ዝብሉ ሕቶታት ብተሳተፍቲ እቲ ዘተ ተላዒሎም።

ዳይሬክተር ጀነራል ምርቃቕን ምፅናዕን ሕጊ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣይተ በላይሁን ይርጋ፥ ዝርገሐ ፅልኢት ዘረባን ናይ ሕሶት ሓበሬታን ንምክልኻል ዝወፅአ ኣዋጅ ክሳብ ሕዚ ተፈፃሚ ክኸውን ዘይከኣለሉ ምኽንያት ብዛዕባ እቲ ኣዋጅ ግንዛበ ምፍጣር ስለዘድለየ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ክሊ እቲ ኣዋጅ ስራሕቲ ግንዛበን ስርፀትን ንምጅማር ኣብ ዝተሓሰበሉ እዋን ለበዳ ቫይረስኮሮና ብምእታዉ እቲ ስራሕቲ ምፍጣር ግንዛበ ክዕወት ከምዘይከኣለ ኣብሪሆም።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

 

Comments (0)
Add Comment