ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝተጣየሸ ብሄራዊ ኮሚቴ ሚኒስትራት ክሳብ ሓዚ ኣብ ዘሎ ኣፈፃፅሙኡ ገምጋም ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝተጣየሸ ብሄራዊ ኮሚቴ ሚኒስትራት ክሳብ ሓዚ ኣብ ዘሎ ኣፈፃፅሙኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ ገምጋም ኣካይዱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ እቲ ገምጋም ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ እቲ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ዕዉት ዝኾነ ስራሕ እናሰርሐ ምፅንሑ ገሊፆም።

ዝስርሑ ስራሕቲ ብፅቡቕ ኩነታት እናተሳለጡ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተረኸቡ ፅቡቓት ተሞክሮታት ትካላዊ ምግባር ከምዘድሊ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣገንዚቦም።

ብመንፅር ሎጂስቲክስ፣ ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽን ቴክኖሎጂን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ሓደሽቲ ምዕራፋት ተኸፊቶም ኢዮም ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ እተን ትካላት ምጥንኻር ድሕሪ ኮቪድ-19 ዝሐሸ ዕቤት ንኽህሉ ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment