ዝርገሐ ኤችኣይቪ/ኤድስ ንምቁፅፃር ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣገዳዲ መምርሒ ተግባራዊ ክግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝርገሐ ኤችኣይቪ/ኤድስ ንምቁፅፃር ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣገዳዲ መምርሒ ተግባራዊ ከምዝግበር ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚኒስቴር መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤችኣይቪ/ኤድስ ፈቓዱ ያደታ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ኤችኣይቪ/ኤድስ ብብርኪ ሃገር መጠን ዝርገሐ ትሕቲ 1 ሚኢታዊ ኢዩ።

ይኹን እምበር ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ዘሎ ዝርገሐ ከምዝፈላለ ብምግላፅ፥ ብፍላይ ኣብ ክልል ጋምቤላ 4 ነጥቢ 5፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 3 ነጥቢ 4፣ ሃረሪን ድሬዳዋን ድማ 3 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ከም ሃገር ዝርገሐ ትሕት ዝበለ ይኹን እምር ኣብ ሓደሓደ ከባቢታትን ክፋላት ሕብረተሰብን እቲ ዝርገሐ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ከምዝርከብ ሓቢሮም፡፡

ብፍላይ ኣብ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ፣ ብፆታዊ ርክብ ዝመሓደራ፣ ተጠቀምቲ መዕወኒ ሓሽሽ፣ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ኣሽከርከርቲ፣ ተሃነፅቲ ሕጊን ብንግዲ ጎደና ዝመሓደራ ደቂ ኣንስትዮን ብዝበለፀ ነቲ ቫይረስ ተቓላዕቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ብብርኪ ሃገር ሓደሽቲ ናይ ምትሓዝ ምጣነ ይኹን በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ እነነከየ ይኹን እምበር ብፍላይ ኣብ መናእሰይ ናይ ምትሓዝ ምጣነ ከምዝተሓሰበ እናነከየ ከምዘይኮነ ኣብሪሆም፡፡

ሚኒስቴር ጥዕና እቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር÷ ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ብትኹረት ንምስራሕ ኣገዳዲ መምርሒ ንምትግባር ፃዕሪ እናገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እዚ ድማ ብዛዕባ ኤችኣይቪ ግንዛበ ንምፍጣር ከምኡ እውን ካልኦት ሜላታት መቆፃፀሪን መከላኸሊን ትኹረት ብነሃብ ንምትግባር ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment