ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ናብ ቻይና ኣብ ዝግበሩ ጉዕዞታት ክልከላ ምግባር ኣግባብ ከምዘይኮነ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ብዝብል ናብ ቻይና ኣብ ዝግበሩ ጉዕዞታት ክልከላ ምግባር ኣግባብ ከምዘይኮነ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊፆም።

ኣብ ቻይና ዝተርኣየ ቫይረስ ኮሮና ነምዕጋት ብዝብል ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ናብታ ሃገር ዝግበሩ ጉዕዞታት ምኽልካል፣ ምቁራፅ ርክባት ንግዲን ምስራዝ በረራታት ኣየርን እናገበራ ምዃነን ይፍለጥ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሃገራት ነቲ ሕማም ንምዕጋት ኢለን ከምዚ ዓይነት ውሳነ ምሕላፈን ኣግባብ ኣይኮነን ክብሉ ወቒሶም።

ኩለን ሃገራት ኣብ ሓበሬታ ዝተደረኸን ግቡእ ዝኾነን ውሳነ ንኸመሓላልፋ ውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ቫይረስ ኮሮና ምኽንያት ብምግባር ዶብ ምዕፃው፥ ዝርገሐ እቲ ሕማም ካብ ምቁፅፃር ንላዕሊ ከበኣእሶ ከምዝኽእልን ሰባት ብዘይ ሕጋዊ መገዲ እንተኣትዮም እቲ ቫይረስ እንተይተርኣየ ክላበድ ከምዝኽእልን እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብሆም።

ሰበስልጣን ቻይና እውን ምኽረ ሓሳብ ውድብ ጥዕና ዓለም ብምውሳድ ካልኦት ሃገራት እናመሓላለፈኦ ንዝርከባ ውሳነ ተቓዊሞም።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ቤት ፅሕፈት ስዊዘርላንድ ጀኔቫ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሊ ሶንግ፥ ሃገራት እናወሰደኦ ዝርከባ ስጉምቲ ንምኽረ ሓሳብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝፃረር ኢዩ ክብሉ ኮኒኖምዎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ቫይረስ ኖቭል ኮሮና ካብ 21 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ቻይና ከተማ ዉሃን ከምዝተርኣየ ዕላዊ ዝገበረ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ እቲ ቫይረስ ስግዓኣት ጥዕና ዓለም ኢዩ ብምባል ምእዋጁ ይዝከር።

ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ሓበሬታ በቲ ሕማም ተጠቒዖም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሪ 425 እንትበፅሕ፥ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ድማ ልዕሊ 20 ሺሕ ከምዝበፅሐ እናተገለፀ ይርከብ።

ካብ ቻይና ወፃእ እቲ ቫይረስ ዝተርኣየለን ሃገራት 24 ዝበፅሓ እንትኾና፥ 150 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙን ህይወት ክልተ ሰባት ከምዝሓለፈን ፀብፃባት ይሕብሩ።

ፍልፍል፦ reuters.com

Comments (0)
Add Comment