ዝርገሐ ቫይረስኮሮና ንምግታእ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ወፍሪ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝርገሐ ቫይረስኮሮና ንምግታእ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ወፍሪ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።

እቲ ወፍሪ ብምኽንያት ምዝንጋዕ ናብ ልዑል ሃገራዊ ሓደጋ እናተሰጋገረ ዝርከብ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ምግታእ ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ካብ ውሽጢ ዝምርመሩ ዜጋታት በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ቁፅሪ እናወሰኸ ምምፅኡ በቲ ቫይረስ ካብ ዝተሓዙ ሰባት ድማ ንልዑል ሕማም ዝቃልዑ ሰባት ቁፅሮም ምውሳኹን ናይ ምትሕልላፍ መጠኑ ልዑል ዝኾነ ዓሌት ኮቪድ-19ን እቲ ወፍሪ ንምጅማር ምኽንያታት ኢዮም ተባሂሉ።

ስለዝኾነ ድማ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝስርሑ ስራሕቲ ዕላዊ ተገይሮም።

ንቕሓት ህዝቢ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ብፍሉይ ትኹረት ክስራሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ዓቕሚ ንዘይብሎም 30 ሚሊየን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምክፍፋል፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንዘይገበረ ዜጋ ኣገልግሎት ዘይመሃብን ብተምሃሮ ዝስርሑ ፕሮግራማት ጎስጓስን መዕበዪ ግንዛበን እውን ካብ ዝስርሑ ስራሕቲ ይርከቡዎም።

ኮቪድ19 ንምክልኻል ዝወፅአ መምርሒ 30/2013 ተግባራዊ ንኽግበር ስራሕቲ ቁፅፅርን ክትትልን ከምዝስራሕ እውን ተሓቢሩ።

ብብስራት መለሰ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment