ዝራእቲ እዋኑ ብዘይሓለወ ዝናብ ከይጥቅዑ ብብርኪ ክልል ዝሳለጥ ወፍሪ ዓፂድ ብዕሊ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝራእቲ እዋኑ ብዘይሓለወ ዝናብ ከይጥቅዑ ብብርኪ ክልል ዝሳለጥ ወፍሪ ዓፂድ ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንትን ሕርሻን ቃላሚኖ ዝተዘርኡ ዝራእቲ ብምዕፃድ ብዕሊ ተጀሚሩ።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኢያሱ ኣብርሃ፣ መተሓባበርቲ ማእኸል ኢንቨስትመነንት ሕርሻ ቃላሚኖን ኣብቲ ወፍሪ ዓፂድ ዝተረኸቡ እንትኾኑ÷ ምስ መቕረባይ ቴክኖሎጂ ሕርሻ ማማይ ጉርፕን ብምትሕብባር ኣብ 17 ሄክታር ኣብቲ ማእኸል ኢንቨስትመንት ወፍሪ ዓፂድ ኣካይዶም።

ዶክተር ኢያሱ ኣብርሃ መንግስቲ 50 ሽሕ ማዕፂድ ብምግዛእ ናብ ተጠቀምቲ ሓረስቶት ከምዘከፋፈለ ዝገለፁ እንትኾኑ÷ ሓረስታይ ትግራይ ዝራእቱ ብእዋኑ ንክእክብ÷ ማሕበራት፣ ሓይልታት ፀጥታ፣ ኣብ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ዝርከቡ መምህራንን ተምሃሮን፣ ሰራሕተኛታት መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ግኦም ንኸበርክቱ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምጅማር ክልላዊ ወፍሪ ዓፂድ ፀዊዖም።

ዝራእቲ ብእዋኑ ምዕፃድ ጥራሕ ዘይኾነ ዝተኣከቡ ዝራእቲ እዋኑ ብዘይሓለወ ዝናብ ብዘይጉዳእን ዉሕስ ብዝኾነ መልክዑ ክእርምን ብቑልጡፍ ናብ ገዝኡ ዘእትወሉ ኩነታት ክመዓራረን ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment