ዝምዕብል ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ናብ ዘይዕፀፈሉ ብርኪ ንምብፃሕ ብዕቱብ ምስራሕ የድሊ – ሌ/ጄ ብርሃኑ በቀለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ናብ ዘይዕፀፈሉ ብርኪ ንምስግጋር ምምሕዳር ኣካላት ክልልን ዞባን ምስ ሓይሊ ፀፅታ ብቖራፅት ክሰርሑ ከምዝግባእ ዋና ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምዕራብን ኣካቢ እቲ ኮማንድ ፖስትን ሌተናል ጄኔራል ብርሃኑ በቀለ ገሊፆም።

እቲ ኮማንድ ፖስት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ፀፅታ ኣመልኪቱ ኣብቲ ከባ ምስ ዝርከቡ ምምሕዳር ኣካላት ክልልን ዞባን ከምኡ እውን እቲ ጉዳይ ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ኣካላት ውዳበ ፀፅታን ድሕንነትን ኣብ እዋናዊ ኣፈፃፅማ ወፍሪ ከምኡ እውን ኣብ ኣንፈታት ትኹረት ቀፃሊ ኣፈፃፅማ ወፍሪ ጠሚቶም ተዛቲዮም።

ዋና ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምዕራብን ኣካቢ እቲ ኮማንድ ፖስትን ሌተናል ጄኔራል ብርሃኑ በቀለ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝገለፁዎ÷ ፅንፈኛን ዘራፊን እኽብካብ ጉጅለ እናተወሰደሉ ኣብ ዘሎ ስጉምቲ እናተበታተነ ይርከብ፤ እናፈፀፆም ብዝርከብዘሕፍር ተግባር እውን ካብ ህዝቢ ተነፂሉ ኢዩ፤ ኣብ ህዝቢ እምነት ከምዘይብሉ እውን ብዝፍፅሞም ዘረፋታትን ተግባራት ሽፍትነትን እናረጋገፀ ይርከብ።

እቶም ጄኔራል መኮንን÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን እናማዕበለ ዝርከብ ኣንፃራዊ ሰላም ናብ ዘይኽበሰሉ ብርኪ ንምብፃሕን ህዝቢ ናብ ንቡር ማሕበራዊ ህይወቱ ንኽምለስን ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዝተጀመረ ስጉምቲ ኣጠናኺርካ ምቕፃል፣ ሕብረተሰብ ግዳይ ናይ ሕሶት ፕሮፖጋንዳ ከይኸውን ጭቡጥ ሓቂ ምግንዛብን ህዝቢ ዘሳተፈ ዝተዋደደ ስራሕቲ ፀፅታ ምውጋንን ከምኡ እውን ህዝባዊ ልዝባት ምክያድ ኣጠናኺርካ ክቕፅሉ ምግባር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ሌተናል ጄኔራል ብርሃኑ በቀለ ካብዚ ብተወሰኺ÷ ተጀሚሮም ዝነበሩ ስራሕቲ ልምዓት ክቕፅሉ ምግባርን ደላዪ ሰላም ህዝቢ ብቕንዕና ምግልጋል ካብ ሕድሕድ ኣመራርሓ ትፅቢት ዝግበር ተግባር ከምዝኾነ ብምግንዛብ ቆራፅ ቅዋም ሒዝካ ናብ ስራሕ ምእታው ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment