ዝማዕበለት ኣፍሪካ ንምርኣይ ኣብታ ኣህጉር ዝረኣዩ ጎንፂታ ምውጋድ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ዝማዕበለት ኣፍሪካ ንምርኣይ ኣብታ ኣህጉር ዝረኣዩ ጎንፂታ ምውጋድ ከምዝግባእ ምክትል ዋና ፀሓፊት ወድብ ሕቡራት መነግስታትን ኣፈፃሚት ስራሕ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካን ቬራ ሶንግዌ ተዛሪበን።

እተን ኣፈፃሚት ስራሕ ኣብ መበል 40 ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝገበርኡ መደረ፥ ኣብ ኣፍሪካ ዝፍጠሩ ተግባራት ገብረ ራዕዲን ጎንፂታትን ስግኣት እታ ኣህጉር ብምዃን ከምዝቐፀሉ ኣዘኻኺረን።

ስለዝኾነ ዝማዕበለት ኣፍሪካ ንምርኣይ ሙሉእ ዓቕ እታ ኣህጉር ጎንፂታን ተግባራት ገብረ ራዕዲን ኣብ ምክልኻል ክውዕል ከምዝግባእ ተዛሪበን።

ለውጢ ከባቢ ኣየር፣ መጥቃዕቲ ሳይበረ፣ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፣ ምውሳኽ ቁፅሪ ስእነት ስራሕን ፀገማት ሰናይ ምምሕዳርን ካልኦት ስግኣታት ከምዝኾኑ ድማ ሓቢረን።

ኣብ ኣፍሪካ ኣብዚ ሐዚ እዋን 17 ሃገራት ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኢኮኖሚ ከምዝርከባ ተዛሪበን።

ስለዝኾነ ኣፍሪካውያን መራሕቲ መሓንቓት ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ዝፍትሽሉ እዋን ሐዚ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂበን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment