ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንትውልዲ ንምሽግጋር ኩላትና ግደና ንዋፃእ-ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንትውልዲ ንምሽግጋር በቢዘርፍና ዘለና ኣካላት ኩላትና ግደና ንዋፃእ ክብል ናይ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊትን ናይ ካቢኔ ጉዳያት ሚኒስትርን ኣለምፀሐይ ጳውሎስ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ምስ ሓይሊ ሓላዋ ሪፐብሊክ ደቂ ኣኒስቲዮ ኣባላት ሰራዊት ኣብ ዝገበርኡ ዘተ፥ ናይ ሃገር ምክልኻል ሰራዊትን ሓለዋ ሪፐብሊክን ሓይሊ ኣባል ብምዃን ኩርዓት ክስመዐክን ይግባእ ኢለን።

ናይ ሃገርና ኩለመዳያዊ ምዕባለ ንምርግጋፅ ግደ ደቂ ኣኒስቲዮ ወሳኒነት ኣለዎ ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ ደቂ ኣኒስቲዮ ምዃንና ከይበደሀና ካብ ዝሓሰብናዮ ጫፍ ዓወት ንምብፃሕ ራእይ ክህልወና ይግባእ ኢለን።

ናይ ባዕልትና ናይ ዓወት መበገሲን ናይ ህይወት ተመክሮን ምክፋለን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

Comments (0)
Add Comment