ዝመረፀና ህዝቢ ውክልንኡ ክሳብ ዘልዕል ሓላፍነትና ምውፃእ ክንቅፅል ኢና – ኣባላት ቤት ምኽሪ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 መስከረም፣2013 ( ኤፍ.ቢ.ሲ)ዝመረፀና ህዝቢ ውክልንኡ ክሳብ ዘልዕል ዝተውሃበና ህዝባዊ ሓላፍነት ምውፃእ ክንቅፅል ኢና ክብሉ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ገሊፆም።

ሜላታት ምክልኻል ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ብጥንቃቐ ብምፍፃም ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ውክልና ዝመረፆም ህዝቢ ክሳብ ዘልዕል ዝተቐበልዎ ሓደራ ከምዝቕፅሉ ግዜኢ ዘዘራረቦም ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተዛሪቦም።

ድሕሪ 25 መስከረም ሕጋውነት እቲ ባይቶ ብዝምልከት ብውሱናት ኣካላት ዝለዓሉ ሓሳባት ሕገ መንግስታዊ መሰረት ዘይብሎም ከምዝኾኑ እውን እቶም ኣባላት ገሊፆም።

ስለዝኾነ መንግስቲ ዘውፅኦም ኣሰራርሓታት ተግባራዊነት ብምክትታል ኣፈፃሚ ኣካል ናይ ምቁፅፅርን ምክትታልን ስራሕትና ክንቅፅል ኢና ኢሎም።

ኣብቲ ባይቶ ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ደቂ ኣኒስቲዮ፣ መናእሰይን ማሕበራዊ ጉዳይን ወይዘሮ ኣበባ ዮሴፍ፥ ብምኽኒያት ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ምንውሑ ኣዘኻኺረን።

እቲ ባይቶ ድሕንነት ህዝቢ ብምቕዳም ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ደረጃ ብደረጃ ብምሕላው ነቲ ምርጫ ከምዘናውሐ ኣብሪሀን።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ዘሕለፍዎ ውሳነ ምትግባር ናይ ኣፈፃሚ ኣካልን ናይ ኩሎም ክልላትን ግዴታ ክኸውን ከምዝግባእ ብግልፂ ዝፍለጥ ኢዩ እውን ኢለን።

ብመሰረት እዚ ሕገ መንግስቲ እዛ ሃገር ብምፅራር ብሄራት ብሄረሰባትን ኢትዮጵያ ዝተወከልሉ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብምጥሓስ ዝተኻየደ ምርጫ ዘይሕጋዊ ከምዝኾነ ገሊፀን።

እቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስቴር ጥዕና ብመሰረት ዘቕረቦ ምክረ ሓሳብ ኣብ 2013 ዓ.ም ምርጫ ንኽካየድ እንትውስን እውን ጥዕና ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ከውድቑ ዘይኽእሉ ኩነታት ምህላዎም ድሕሪ ምምርማሩ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ኣብቲ ቤት ምኽሪ ተፀዋዒ ሓጋዚ መንግስቲ ሚኒስትር ዴኤታ ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት፥ መንግስቲ ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካውን ተግባራት ብምጥንኻር ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን መንግስቲ ዘቐመጦም ትልሚታት ንክፍፀሙ ዝግበር ደገፍን ክትትል ክቕፅል ኢዩ እውን ኢሎም።

ውሱናት ኣካላት ድሕሪ 25 መስከረም ሕጋዊ መንግስቲ የለን ብምባል ዘናፍስዎ ወረ ህዝቢ ከደናገር ከምዘይግባእ ድማ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment