ዝመረፀና ህዝቢ ሓደርኡን ሓላፍነቱን ንምውፃእ ብቆራፅነት ክንሰርሕ ኢና – ኣይተ ኦርዲን በድሪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕቶ ህዝቢ ዝምልሱ ስራሕቲ ብምክያድ ሓደራን ሓላፍነትን ዝመረፆም ህዝቢ  ንምውፃእ ብቖራፅነት ከምዝሰርሑ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ ተዛሪቦም።

ሎሚ መዓልቲ ዳግም ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኮይኖም ዝተመረፁ ኣይተ ኦርዲን ቃል ማሕላ ኣብ ዝፈፀሙሉ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ ተረባሕነት ህዝቢ ዘደንፍዑ ዝተፈላለዩ ተግባራት ጋህዲ ንምግባር ብቖራፅነት ክስራሕ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ብብርኪ ክልል ዝተጀመሩ መሰረታዊ ኣብ ከይዲ ለውጢ ዝተርኣዩ ጥንካረታት ብምድንፋዕን ክፍተታት ብምፍታሕን ህዝቢ ዝፅበዮ ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተ ህብረ ብሄራዊ ፌዴራሊዝም ንምርግጋፅ ብዕቱብ ከምዝስራሕ ገሊፆም።

ኣብ ማዕርነት፣ ሓበራዊ ተረባሕነትን ሓድነትን ህዝቢ ዝተመርኮሰ ዝተዋደደ ለውጢ ንምርግጋፅ፥ ኣብ ፖለቲካዊ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ዓውዲታት ብዝካየዱ ተኸታተልቲ ምንቅስቓሳት ተናሓናሕቲ ፓርቲታትን ነበርቲ እቲ ክልል ዝኾኑ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ትርጉም ብዘለዎ ኩነታት ተሳተፍቲ ከምዝግበር እውን ኣፍሊጦም።

መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ዘሳልጦም ተግባራት ሕብረተሰብ ሓገዙ ንኽገብር ምሕታቶም ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ሃረሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment