ዝሕደስ ኢነርጂ ብንብረት ኣየር ዘይብዳህ ኢንዱስትሪ ብምድንፋዕ ምዕባለ ኢኮኖሚ ዘቀላጥፍ ኢዩ – ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ፣ ኢ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃፍቲታት ዝሕደስ ኢነርጂ ብንብረት ኣየር ዘይብዳህ ኢንዱስትሪ ብምድንፋዕ ምዕባለ ኢኮኖሚ ዘቀላጥፍ ከምዝኾነ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ፣ ኢ/ር) ገሊፆም።

‘’ዝተቐላጠፈ ምሕዝነት ንልምዓት ዝሕደስ ኢነርጂ ኣብ ኣፍሪካ’’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።

ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ፣ ኢ/ር) ኣብቲ መድረኽ፥ ጠለብ ዝሕደስ ኢነርጂ ንምዕባይ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን መስከረም 2023 ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ጉባኤ ንብረት ኣየር ኣፍሪካ ከምዝተጀመረ ኣዘኻኺሮም፡፡

ነዚ ድማ ብዝተቐላጠፈ ምሕዝነት ዝሕደስ ኢነርጂ ኣብ ኣፍሪካ ንምስጓም ቆራፃት ዝኾኑ ዓለም ለኸ ሃገራትን መዳርግቲ ኣካላትን ከምዝተሓባበሩ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ካብዚ ብተወሳኺ፥ ሃፍቲታት ዝሕደስ ኢነርጂ ብምጥቃም ሕፅረት ኢነርጂ ካብ ምንካይ ሓሊፉ ብንብረት ኣየር ዘይብዳህ ኢንዱስትሪ ንምድንፋዕን ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ንምቅልጣፍ ዘኽእል ከምዝኾነ ምግላፆም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።

Comments (0)
Add Comment