ዝሓዝናዮ ራእይ ንምዕዋት ብሓዱሽ መንፈስ ስራሕ ንቕድሚት ክንጓዓዝ ይግባእ- ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉመን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓዱሽ ዓመት ዝሓዝናዮ ራእይ ንምዕዋት ብሓዱሽ መንፈስ ስራሕ ንቕድሚት ክንጓዓዝ ይግባእ ክብላ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን  ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ፃውዒት ኣቕሪበን።

ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ዘመሓላለፋ እተን ሚኒስትር፥ ሓዱሽ ዓመት ዘበነ ሰላም፣ ጥዕና፣ ፍቕሪን ምክብባርን ንክኸውነ ሰናይ ትምኒተን ገሊፀን።

ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ምዕባለ ናብ ዝለዓለ ብርኪ እተብፀሐሉን ሰላማ እተረጋግፀሉን ንክኸውን እምነ ኢለን።

ዜጋታት ሰሪሖምን ለፊዖምን ምዕባለኦም ንከዐውቱ ዝፅዕርሉ ዓመት ንክኸውን እውን ተመኒየን።

ኢትዮጵያ ተወዳዳሪት ንምግባር እቲ ሚኒስቴር ከምዝሰርሕ ብምሕባር፥ ነዚ ንምዕዋት ክንፅዕር ኢና ኢለን።

ብሻምበል ምህረት

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment