ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዕዉት ኣፈፃፅማ ከምዝርከብ ኣርኢዩ ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዕዉት ኣፈፃፅማ ምዃኑ ከምዘርአየ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም፥ “ኮሚቴ ማክሮኢኮኖሚ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ተኣኪቡ ኣካል መመሓየሺ ፕሮግራም ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ዝኾነን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገበረን ዝተማለአ ፖሊሲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣፈፃፅማኡ ገምጊምና” ኢሎም።

እቲ ፖሊሲ ተፈፃሚ ኣብ ዝኾነሎም ክልተ ኣዋርሕ ዝተረጋገአ ከባቢ ሸርፊ ወፃኢ ምዕዛብ ከምዝተኽኣለ እውን ገሊፆም፡፡

ብተመሳሳሊ ትልሚ ኣታዊና ዝተቐመጠሉ ሽቶ ብምውቃዕ ኣብ ዝተሓሰበሉ መገዲ ከምዝርከብ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

“ብሓፈሻ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዕዉት ኣፈፃፅማ ከምዝርከብ ኣርኢዩ ኢዩ” ክብሉ ኣብሪሆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment