ዝህልወና ተቐባልነት ኣብ ስራሕን ስራሕን ዝተመርኮሰ ክኸውን ይግባእ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ መቐለ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ብምርግጋፅ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ኣብ ሓፂር ግዘ ዝሰርሖም ዘለው ፕሮጀክታት ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከምዘለዎ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ምምሕዳር ከተማ መቐለ፥ ኣብታ ከተማ ብኣስታት 2 ቢሊየን ብር ፕሮጀክት ሓምለዋይ ልምዓት ንምህናፅ ዝሓዞ ትልሚ ዝጠመተ መድረኽ ዘተ መስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣካይዱ።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ማሕበረ ቁጠባ ከተማ መቐለ ኣብ ምቅልጣፍ ግደ ከምዝህልዎ እውን ገሊፆም።

ኣብ ስራሕ ንክነተኩር ህዝቢ ሕቶ ምሕታት ጥራሕ ዘይኮነስ ፀቕጢ ከሕድር ኣለዎ ብምባል፥ ሓሳብ ከይሓዝካ ዝካየዱ መድረኻት ንህዝቢ ዘምፅእዎ ረብሓ የለን ኢሎም።

ዝህልወና ተቐባልነት ኣብ ስራሕን ስራሕን ዝተመርኮሰ ክኸውን ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፥ ህዝቢ ካብ ሰንፍላል ንምውፃእ ንሰርሖም ስራሕቲ መሰረታዊ እዩም ኢሎም።

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ከም መርኣያ ብናይ ውሽጢ ኣታዊ ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ዘተባብዕ ስራሕ ከምዝሰረሐን ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎን ኣብሪሆም።

ኣብ ዓበይቲ ገበናት ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተ ትኹረት ዝገበረ ዝተጀመረ ስራሕ ኣብ ፀጥታ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕን ተሓታትነት ንምርግጋፅን ብገለልተኛ ኣካል ይስራሕ ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

ነዚ ድማ፥ ዝተወደበ ምንቅስቓስ ህዝቢ ብምጥንኻር ልዕልነት ሕግን ተሓታትነትን ንምርግጋፅ ሕብረትሰብ ዘሳተፈ ስራሕቲ ክስራሕ እዩ ኢሎም።

ኩሉ ስራሕትና ናብራ ህዝቢ ኣብ ዝልውጥ ክኸውን ኣለዎ ብምባል፥ ህዝቢ ዘይኣመነሉን ዘይተሳተፎሎምን ፕሮጀክት ከምዘይስርሑ ኣረጋጊፆም።

እቲ ምምሕዳር ተሳትፎ ሕብረተሰብ ብምርግጋፅ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ኣብ ሓፂር ግዘ ዝሰርሖም ዘለው ፕሮጀክታት ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከምዘለዎ ኣተባቢዖም።

Comments (0)
Add Comment