ዜጋታት ደም ንምልጋስ ዘርኣዮ ፍቓደኝነትን ደም ናይ ምልጋስ ታሪክ ዝለወጠ ኢዩ-ብሄራዊ ባንኪ ደም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዜጋታት ደም ንምልጋስ ዘርኣዮ ፍቓደኝነትን ደም ናይ ምልጋስ ታሪክ ዝለወጠ ኢዩ ክብል ብሄራዊ ኣገልግሎት ባንኪ ደም ገሊፁ።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ዋና ዳይሬክተር ብሄራዊ ኣገልግሎት ባንኪ ደም  ኣይተ ያረጋል ባንቴ ከምዝበልዎ÷ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘብፅሖ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝተጀመረ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ልዑል መጠን ደም ንክእከብ ምኽኒያት ኮይኑ ኢዩ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ጥራሕ 38 ሺሕ ከረጢት ደም ከምዝተኣከበ ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ድማ ብዝለዓለ መጠንን ዓይነትን ደም ዝለገስሉ እዋን ብምዃነ ተመዝጊቡ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ዜጋታት ደም ንምልጋስ ዘርኣዮ ፍቓደኝነትን ደም ናይ ምልጋስ ታሪክ ዝለወጠ ኢዩ ብምባል ገሊፆም።

ብትእግስት ኣብርሃም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment